QuizMe
Open main menu
Login
Create a quiz
መንፈሳዊ ሕቶታትን መልስን
1: መን ፈጠረካ፡
ሰላሴ
ኣቦይን ኣደይን
ባዕለይ
2: ስላሴ ክንደይ ኢዮም?
ሰለስተ
ሓደ
ሰለስተ ይኾኑ ሓደ ይኾኑ፡
3: ስላሴ ብምንታይ ኢዮም ሰለስተ ዝኾኑ
ብኣካሎም
ብዓይኖም
ብኣምላኽነቶም
4: ስላሴ ብምንታይ ኢዮም ሰለስተ ዝኾኑ፧
ብጽድቆም
ብሓቅነቶም
ብስሞም
5: ስላሴ ብምንታይ ኢዮም ሰለስተ ዝኾኑ፧
ብፈጣርነቶም
ብናይ ኣካል ግብሮም
ብባህሪኦም
6: ስመ ስላሴ ናይ ኣካሎም እንታይ ኢዩ፧
ፈጣሪ፡ኣምላኽ፡ኣዶናይ
ኢየሱስ፡ኣማኒኤል፡ክርስቶስ
ኣብ፡ወልድ፡መንፈስ ቅዱስ
7: ግብረ ኣብ፡
ተወላዲ፡
ሰራጺ
ኣስራጽን፡ወላድን
8: ግብረ ወልድ፡
ወላዲ
ሰራጺ
ተወላዲ
9: ኣካላዊ ግብረ መንፈስ ቅዱስ፡
ሰራጺ፡
ተወላዲ
ተለኣኣኺ
10: ኣካል ናይ ስላሴ ከመይ ኢዩ፧
ገዚፍ፡ጸቢብ፡ድሩት
ሰፊሕ፡ነዊሕ፡ቀጢን፡
ሰፊሕ፡ምሉእ፡ረቂቕ
11: ስላሴ ኣበይ ይርከቡ፧
ኣብ ኩሉ ኣሎዉ፡ኣብ ውሽጥና ግን የለዉን
ኣብ ኩሉ ኣሎዉ፡ኣብ ሲኦል ግን የለዉን
ኣብ ኩሉ ኣሎዉ፡ኣብ ውሽጢ ባሕርን ውቅያኖሳትን ግን የለዉን፡
ስላሴ ዘየብሉ ስፍራ የለን፡
12: ስላሴ ኣብ ኩሉ ይርከቡ ክበሃል እንከሎ፡ቦታ ኣይቃጸጹን ድዮም፧
በብሪጋ ኢዮም ዝቕመጡ
ኣቦ ጥራይ ኢዩ ዘሎ እምበር፡ወልድን መንፈስ ቅዱስንሲ ኣብ ውሽጡ ኢዮም ዘለዉ፡
ብርሃን፡ሙቐት፡ንፋስ ብሕብረት ንቤት እንክመልእዎ ከምዘይቃጸጹ፡ስሳሴውን ኣብ ኩሉ ምሉኣት ኢዮም።
13: ስላሴ ኣብ ሲኦል ከመይ ኢሎም ኣሎዉ ንብል፧
ከም ድጉል ሓዊ ተሰዊሮም
ብኽብሪ እንዳተገልጹ
የለዉን
14: ስላሴ ብምንታይ ኢዮም ሓደ ዝኾኑ፧
ብስም፡ብግብሪ፡ብኣካል
ብመለኮት፡ብስልጣን፡ብባህርይ፡ብህልውና
ሓደ ኮይኖም ኣይፈልጡን ኢዮም።
15: ናይ ሓድነት ስመ ስላሴ፡
ኣቦ
ወልድ፡መንፈስ ቅዱስ
ኤልሻዳ፡ኤል፡ፈጣሪ፡ጎይታ ሰራዊት
16: እግዚኣብሔር ዕድሚኡ ክንደይ ኢዩ፧
8000 ዓመት
5500ዓመት
ዘልኣለማዊ
17: ወልደ ኣብ ብ-------ወልደ ማርያም ብ---------።
መለኮቱ፡ትስብእቱ
ትስብእቱ፡መለኮቱ
ዕድሚኡ፡ብሞቱ
18: ኢየሱስ እንታይ ማለት ኢዩ፧
መድሃኒት፡ፈውሲ፡መድሓኒት
ሰብ፡
ኣይፈልጣን ኢየ።
19: ኢየሱስ ክርስቶስ ክንደይ ልደት ኣሎዎ፧
8000
5500
2011
መልሲ ኣይተጻሕፈን
20: ንኢየሱስ ክርስቶስ መድሓኔ ኣለም ዝወለደ ኣደ መን ኢያ፧
ሓጢኣት ዘይሓለፋ ንጽሕቲ
ካብ ጥንቲ እግዚኣብሔር ሓሲብዋ ዝጸነሐ ንጽሕቲ ድንግል
ብድንግልና ንዘለኣለም ኣለም ጸኒዓ እትነብር ኣደን ድንግልን
ኣዳማዊ ቅድስና እምበር፡ኣዳማዊ ኣበር ዘይሓለፋ ኣደ፡
ኩሉ መልሲ ኢዩ።
21: ኣምላኽና ንኽጥነስ ድንግል ብኸመይ ተረቲዓ ሐራይ ኢላ፧
ግድነት ክትጸንሲ ኣሎኪ ምስተባህለት
ንኣምላኽ ዝሰኣኖ ነገር የለን ምስተባህለት፡
ፈሪሓ ከይፈተወት
22: ተዋህዶ እንታይ ማለት ኢዩ፧
ኣምላኽን ሰብን ዝተዋሃሃድዎ ሚስጢር፡
ካብ ስላሴ ሓደ ኣካል፡ወልድ ካብ ድንግል ማርያም ስጋን ነፍስን ብምውሳድ ዝተወሃሃዶ ሚስጢር።
ካብ ክልተ ኣካላ ሓደ ኣካል፡ካብ ክልተ ባህርያት ሓደ ባህርይ፡ብዘይካ ሓጢኣት ንበይና ፍጹም ሰብ ፍጹም ኣምላኽ ዝኾነሉ ሚስጢር።
ኩሉ ቅኑዕ ኢዩ።
23: ነብያት ስለምንታይ ጾይሞም
ኣድማ ንክገብሩ፡
ክርስቶስ መታን ክውለድ
ከይፈተዉ፡
24: ነብያት ንክንደይ ዘመናት ንልደት ክርስቶስ ተጸብዮም።
ን8000 ዓመታት
ን5500 ዓመታት
ን20 ዓመታት
25: ካብ ነብያት ዘይኮነ
ቃየል
ሄረዶስ
ፈርዖን
ነብክድነጾር
ኩሎም ነብያት ኣይኮኑን።
26: ካብ ኣህዛብ ወገን ኮይኑ ተነባዪ
ኢያኢነስን ኢያምብሬስን፡
በልዓም
ዳኒኤል
27: ድንግል ማርያም ን-----ወሊዳ፡ ፈጣሪኣ ድማ ን-------ፈጢሩ።
ወለዳ፡ንወዱ
ፈጣሪኣ፡ኣዲኡ
ንመልኣኽ፡ንኢየሱስ
28: ክርስቶስ ኢየሱስ ምስ ተወልደ ንመጀመርያ ግዜ ዝዘመሩ፡
ጛሶስ፡
መልኣኽቲ
ክልቲኡ መልሲ
29: ክርስቶስ ምስተወልደ
ሄረዶስ ርዒዱ፡ኣንጸርጺሩ፡ህጻናት ቀቲሉ
ክርስቶስ ምስ ኣዲኡ፡ምስ ዮሴፍ ኣረጋዊ ጻድቕ፡ምስ ቅድስት ሶሌሜ ንግብጺ ተምስደት ጀሚሮም።
ሰብኣ ሰገል ምስጋና ኣምልኾኦም ድሕሪ ምፍጻሞም ብኻልእ መንገዲ ክኸዱ ብመልኣኽ ተሓቢርዎም።
ኩሉ መልሲ
30: ጾም እንታይ ማለት ኢዩ፧
ምጥማይ፡ምጽማእ
ቅርጽኻ ምሕላው፡
ምእንቲ እግዚኣብሔር ኢልካ ስጋኻ ኣብ ትሕቲ ነፍስኻ ከተግዝእ ክትብል ካብ ብልዕን መስተን ክትኽልከል ከለኻ