ግብረ ሃዋርያት

1: ግብረ ሃዋርያት ክንደይ ምዕራፍ ኣለዎ?

2: ጸሓፊ ግብረሃዋርያት መን ኢዩ

3: ጸሓፊ ግብረ ሃዋርያት ቁጽሩ ካብ መን ኢዩ

4: ስእሊ ድንግል ማርያም ዝሰኣለ መን ይበሃል

5: ንመን ተጻሕፈ ወንጌል ግብረ ሃዋርያት

6: ሓይሊ ክሳብ ትለብሱ ካብ ....... ኣይትውጹ

7: ንሂወት ተሓርዩ ንሞት ዝመረጸ፡ መወዳእታኡ ጥፍኣት ዝኮነ መን ኢዩ

8: ገዝኡ ትዕኖ ሽመቱ ውን ካልእ ይውሰዳ ኢሉ ዝተነበየሉ ን ይሁዳ መን ኢዩ

9: ስድራቤት ክርስቶስ ዝበሃሉ ክንደይ ኢዮም። መነመን ኢዮም

10: ን ይሁዳ ክትክኡ ዝተመርጹ ሕሩያት መነመን ኢዮም

11: ደቂ መዛሙርቲ ክርስቶስ ዝበሃሉ መን ኢዮም

12: ነደቕቲ ዝነዓቕዎ እሞ ርእሲ መኣዝን ዝኾነ መን ኢዩ

13: ግራቱ ሸይጡ፡ ገንዘቡ ንሃዋርያት ምሉእ ዝሃበ መን ኢዩ

14: ትርጉም ስም በርናባስ ምረጽ

15: ንመንፈስ ቅዱስ ዝሓሰው መሬት ኣፉ ከፊቱ ዝወሓጦም መን ይበሃሉ

16: ን ሃዋርያት ከይቀትልዎም ምእንቲ ዝተጣበቐሎም መምህር ሕጊ መን ኢዩ

17: ንሕና ንቃል ኣምላኽ ሓዲግናስ ኣብ መኣዲ ከነገግል ዚግባእ ኣይኮነን ኢሎም ሃዋርያት ክንደይ ዲያቆናት መረጹ? ሊቀ ዲያቆናት ከ መን ኢዩ?

18: እስጢፋኖስ ጸጋን ሓይልን መሊእዎ ነበረ እሞ፡ ኣብ ማእከል ህዝቢ ዓበይቲ ትእምርትን ተኣምራትን ይገብር ነበረ

19: ኣብርሃም ማለት

20: ዓርከይ ኢኻ ዝተባህለ ብ እግዚኣብሔር መን ኢዩ

21: ይስሃቅ ኣብ ክንደይ መዓልቱ ተገዝረ

22: ጥበብ ግብጻውያን ዝተማህረ፡ ካብ ማይ ዝተረኽበ ብ ጓል ንጉስ ዝዓበየ፡ ሕነ እቲ ዕሙጽ ርእዩ ነቲ ግብጻዊ ዝቐተሎ ኢዩ

23: እዛ ዘለኻያ ስፍራ ቅድስቲ ምድሪ ኢያ እሞ

24: ኪዳን ግዝረት ንመን ተዋህበ

25: እስራኤል ዝተሰምየ ኣቦሓጎኡ መን ኢዩ

26: እስራኤላውያን ኣብ ምድረ ግብጺ ከለዉ ኣማልኽቲ ስርሓልና ኢሎም ዝረበሽዎ ንሱ ድማ ዝገበረሎም መን ኢዩ

27: ንእግዚኣብሔር ቤት ዝሃነጸሉ መን ኢዩ

28: ሊቀ ዲያቆናት ብምንታይ ሞተ

29: መወዳእታኡ ዝጸበቐ ብቅድሙ ግን ክርስትያናት ዘሳድድ ዝነበረ፡ ኣብ ቅትለት እስጢፋኖስ ዝተሳተፈ መን ኢዩ

30: ጠንቋላይ ነይሩ ዝተጠመቐ ብድሕሪኡ ጸጋ መንፈስ ቅዱስ ምስ ተቐበለ ኣብ ሕማቕ ግብሪ ዝተጸምደ፡ ገለ ከይከውን ንሃዋርያት ኣማልዱለይ ዝበለ መን ኢዩ

31: ብ ሃዋርያት ዝምሰሉ፡ እግዚኣብሔር ጸጋ ዝዓደሎም ኡፍ ኢሎም መንፈስ ቅዱስ ክቅበሉ ዝጽልዩልና፡ ኣእዳዎም ኣንቢሮም ዝባርኹና መን ኢዮም

32: ነቲ ስሉብ ኢትዮጵያዊ ዘጥመቖ መን ኢዩ

33: ነቲ ዘንበቦ ዘየስተውዓሎ ንፊሊጶስ ዝሓተቶ እቲ ኢትዮጵያዊ ካበይናይ መጽሓፍ ኢዩ

34: እቲ ስሉብ ኢትዮጵያዊ ምስ ተጠምቀ ፊሊጶስ ሃዋርያ ናበይ ከደ

35: ወደየ እዛ ትመሃራ ዘለኻ ፍልጠት ክትውስኸልካ ዘይኮነት፡ እንታይ ደኣ ኣብ ሂወትካ ገለ ክትፈጥረልካ ኢያ ዝበሉ ኣቦ መን ኢዮም? ን በረኸት ክኾነና፡ ሂወትና ክንቅይረሉ ንሕና ክነብረሉ ክንቅደስ መጽሓፍ ቅዱስ ምንባብ ኣይነቋርጽ። እግዚኣብሔር ይደግፈና